ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያን ኢትዮያን ንዩክለራዊ ጸዓት/ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ተሰማሚዔን


ሚኒስትሪት ወጻኢ ሩስያን ኢትዮጵያን ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ
ሚኒስትሪት ወጻኢ ሩስያን ኢትዮጵያን ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ

ሚኒስትር ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘነኦም ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ተዘራሪቦም ኣለው።

ዶ/ር ወርቅነህ ‘ኢትዮጵያ ንወራሪ ሰራዊት ጣልያን ዝሳዓረትሉ መበል 120 ዓመት ኣብ ተኽብረሉ ወቕቲ፣ ሚኒስትር ወጻኢ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ምፍጻሞም ሰናይ ኣጋጣሚ’ዩ’ ኢሎም።

ሚኒስትር ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ብወገኖም ‘እቲ ሩስያን ኢትዮጵያን ዝሃንጸኦ ንዩክለራዊ ምንጪ ጸዓት/ሓይሊ ኣመልኪቶም’ ጽጹይ ሓበሬታ ሂቦም ኣለው።

‘ከም’ቲ ኣብ ሩስያ ዝተሃንጸ መሳርሕ ንዩክለር ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ንምህናጽ ልዝባት ቀጺሎም ኣለው። እቲ መደብ ብናህሪ ይካየድ ኣሎ’ ኢሎም

ዶ/ር ወርቅነህ ‘ሩስያ ኩሉ-ሻዕ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንናይ ሓንቲ ሃገር ሉኣላዊ ግዝኣትን ነጻነትን መሰረት ብዝገበረ መትከል ኩሉ-ሻዕ ዝረብሕ ተግባር’ያ ትፍጽም። ስለዚ ኣብ ኩሎም ጽፍሕታት ተሓጋጊዝና ንክንሰርሕ ቅሩባት ኢና። እዚ መገሻ’ዚ ንርካባትና ዝያዳ ከተናኽሮ’ዩ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00

XS
SM
MD
LG