ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ንግዳያት ሽበራዊ መጥቓዕቲ 11 መስከረም ዘኪሮም


ኣሜሪካዊያን ናይ ነፃነት ህንፃ ‘’Freedom Tower ‘’ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዝተሰርሐ ሓድሽ ህንፃ ንግዳያት ሽበራዊ መጥቓዕቲ 11 መስከረም ዘኪሮም።

ስድራን ፈተውትን ግዳያት ሓደ ብሓደ ኣስማቶም ብምፅዋዕ:ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ክሳብ ጥቓ ፔንስሊቫኒያ ዝርከብ ሻንክስቪልን ፔንታጎንን ኣሜሪካዊያን ርእሶም ኣድኒኖም ብሕልንኦም ዘኪሮምዎም።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ፔንታጎን ናይ ዕምባባ ዕታር ብምንባር ናይ ሓድነት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።

ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል: "ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፣ሕብሪ፣ኩሉ ሃይማኖት፣ድሕረ ባይታ ዝመፃእና ሓደ ህዝብን ሃገርን ኢና ዝብል ናይ መስረትና ወይ ወለድና እምነት ሒዝና ንጉዓዝ ሃገር ምዃና ሎሚ እውን ደጊምና ክነረጋግፅ ኣለና" ኢሎም።

‘’ዘይፈረሰ ንእሽተይ ቻፕል’’ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ቻፕል እቲ መጥቓዕቲ ኣብዝተፈፀሉ ቦታ ይርከብ።

ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓደጋን ንሰሙናት ከም መዕረፍን መፅለልን ተጠቒሞምሉ እዮም።

ቀሺ ዶክተር ዊሊያም ሉፕፈር እቲ ማሕበረሰብ በብዕለቱ ምስ ሓዘኑ እናነበረ ግን ድማ ንዕርቂ ምፅላዩ ከምዝቐፀለን ይገልፁ።

መብዛሕቲኦም ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ሰባት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ስቓይን ስዒቡ ኣብ ጥዕንኦም ዝወረደ ምፅባዕ ጥዕናን ከይዘከርዎ ዝሓልፍ ማዕልቲ የለን። ፈይዝ ፊሽኪን በቲ መጥቃዕቲ ወላዲኣ ዝሰኣነት እያ።

ንሳ: "ኣባል ፖሊስ ኒው ዮርክ፣ናይ ስድራ ሰብ፣ዓርኪ፣ኩልሻዕ ንምሕጋዝ ቅሩብ ዝነበረ ሰብ እዩ።ወላዲ ኣቦይ ንኹሉ ሰብ ንምሕጋዝ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ ከምዝነበረ እየ ዝምስክር" ኢላ።

ዊሊያም ሮዲርጉዌዝ ኣብ ህንፃታት ዓለምልኸ ማእኸል ንግዲ መጥቓዕቲ ክፍፀመ ከሎ ሰራሕተኛ ፅረይት ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ንኹሉ በሪ ብዝኸፍት ቁልፊ’’Master key’’ እናጎየየ ክንዲ ዝኽእሎ በርታት እናኸፈተ ከሎ ከይወፀ ብህይወቱ ተደፊኑ።

ሮዲርጉዌዝ " ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ክደልዩ ጀሚሮም፤ድሕሪ ስዓታት ካብቲ ዝፈረሰ ምስ ወፃእኹ ኣዚየ እየ ሰንቢደ።ስለምንታይ? ምኽንያቱ ካብቶም ህንፃታት ዋላ ሓደ እውን ኣይረኸብኩን" ኢሉ።

ሎሚ ሮድሪጉዌዝ ኣብ ክንዲ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ሰባት ኮይኑ ይሕልቕ ኣሎ።ብዙሓት ተረሲዖም ኣለው ዝብል ስግኣት ኣለዎ።ብህይወት ዝተረፉ ከም ኩሎም ግዳያት እቲ መጥቓዕቲ ክዝከሩ እምበር ክርስዑ ከምዘይብሎም ተስፋኡ ይገልፅ።

ኣሜሪካዊያን ንግዳያት ሽበራዊ መጥቓዕቲ 11 መስከረም ዘኪሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:14 0:00

XS
SM
MD
LG