ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢን ካልኦት ኣካላትን ብዛዕባ ግጭት ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም


ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልኡ ብምሉእ እንተድኣ ዘውይወፂኡን የካይዶ ዘሎ መጥቓዕቲ ጠጠው ተዘየቢሉን ዝኾነ ይኹን ድርድር ክካየድ ከምዘይኽእል ምንስቴር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ንምንስቴር ጉዳይ ወፃኢን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን መጥቓዕቲ ንፍምፃም ይኣልም ከምዘሎ ጭቡጥ ናይ ድሕንነት ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ዝገለፁ ንሶም ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ተወሳኺ ሓይሊ ንምውዳብ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ብመርበብ ሓበሬታ በቨርችዋል ኣቢሉ ኣብዝተውሃበ መግለፂ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኵናት መንቀሊኡ ንምንስቴር ጉዳይ ወፃኢን ዓለምለኸ ሚዲያን መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ምስ ህወሓት ድርድር ንምክያድ እንተነኣሰ ‘'ህወሓት ንንፁሃን ዜጋታት የሳቕየሉ ካብ ዘለው ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወፅእ ኣለዎ።ብተወሳኺ ድማ እንተወሓደ ዝፀንሐ ህውከትን መጥቓዕትን ብድልየቱ ጠጠው ከብል ኣለዎ’’ኢሎም።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ብወገነን ‘’ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ብማዕረ ምርይ ዝተጋገየ ኣመለኻኽታ ኣሎ፤ብዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ተመሳሰልቲ ኣካልት ዝግበር ርክብ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ብሕገ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተውሃቦ መንግስቲ እዩ።ብሕጊ ናይታ ሃገር ኣሸባሪ ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ብብቑዕ ዘይኹንን እዩ ‘’ኢለን ይብል ፀብፃብ ስመኝሽ የቆየ።

XS
SM
MD
LG