ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን አል ሸባብ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ምሟቱ ተሓቢሩ


ደብዳብ ዝተኻየደሉ አከባቢ ዝነበሩ መካይን - ሞቃዲሾ

ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ብምትሕብባር መንግስቲ ሶማልን ኣሜሪካን ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጥሩፍ ጉጅለ አል ሸባብ ምቕታሉ ሚንስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣረጋጊፁ።

ዓሊ ጃባል ብዝብል ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ ሑሴን ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ኣብ ሞቓድሾ ዘለው ወነንቲ ኣብያተ ንግዲ ነቲ ጥሩፍ ጉጅለ ገንዘብ ከወፍዩ ዘገድድ ዝነበረ እዩ።

ናይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል እዚ ኣብ ዘውፅኦ ሓፂር መግለፂ እቲ መጥቓዕቲ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተፈፀመ ብምግላፅ ዝሞተ ሲቪል ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ኣብ ታሕታይ ሸበሌ እቶም ጥሩፍ ጉጅለ ይጉዓዙለን ዝነበራ ክልተ መካይን ዒላማ ከምዝነበራ ሓደ በዓል ስልጣን ፀጥታ ሶማል ገሊፆም።

ናይ ሶማል ፕረዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ነቲ መጥቓዕቲ ከምዘፅደቑዎ ሚንስትር ሓበሬታ ሶማል ዓብዱራሕማን ዑማር ዑስማን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራት ዋንጫ ዓለም 2026 ብኽንደይ ክዓቢ እዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG