ዋሽንግተን —
ሓዲሽ ፕረዚደንት ሴኔጋል ባሲሮ ጂዮማ ፋይ ምስ መራሒ ማሊ ኮሌነል ኣሲሚ ጎይታ ኣብ ዋና ከተማ ማሊ ባማኮ ተራኺቡ: ተዘራሪቡ። ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ መራሒ ማሊ ካብቲ ኢኮዋስ ዝብሃል ኮሚኒቲ ማሕበረሰብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምውጽኡ ኣፍሊጡ ኔሩ።
መራሒ ሴኔጋል ፋይ ንባማኮ ዝኸደ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ምሕዝነት ንምዝርራብን ማሊ ናብ ኢኮዋስ ክትምለስ ንምእማንን ምዃኑ ተዛሪቡ`ሎ። ንሱ ካብ ማሊ ቀጺሉ ናብ ቡርኪናፋሶ ክበጽሕ መደብ ኣለዎ። ንሳ`ውን ብኻልእ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ መሪሕነት ትምራሕ ክትከውን ከላ በቶም ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ስግኣት ዘለዋ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ሴኔጋል ክምረጽ ከሎ ንማሊ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ናብ ደምበ ኢኮዋስ ክመልሰን ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ቅጥዒ