ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምርጫ ሴነጋል ተስፋ ይህባ


 እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምርጫ ሴነጋል
እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምርጫ ሴነጋል

ኣብ ሴነጋል ኣብ ዝካየድ መጻኢ ምርጫ እንኮ ጓለንስተይቲ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ንደቀንስትዮ ትኹረት ብምሃብ ኩነታት ስራሕን ሰልጠናን መንእሰያት ንምምሕያሽ ቃል ኣትየን።

ኣንታ ባባካር ኤንጎም ቅድሚ እቲ ሰንበት 24 መጋቢት 2024 ዝካየድ ምርጫ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ምርካብ ስራሕ ንጸገማት ደቀንስትዮ ብ50% ከምዘጉድሎ ይዛረባ።

ኣንታ ባባካር ካብ ርእሰ ከተማ'ታ ሃገር ዳካር ውጽእ ኣብ ዝበለ ወረዳ ፒኪነ ኣብቲ ዝተወለዳሉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ከባቢ እየን ነዚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝጀመራ።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዝዓበየ ፋብሪካ ስጋ ዝመርሓ ባባካር እንተተመሪጸን ኣብ መኣዲ ስርሐን ከም ዘርኣየኦ ንኩነታት ደቀንስትዮ ትኹረት ከም ዝገብራ ተዛሪበን'ለዋ።

ባባካር ኣብ ዝቅጽላ ሓሙሽተ ዓመታት 5-ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ቃል ኣትየን'ለዋ። ካብዚ እቲ 2- ሚልዮን ንደቀንስትዮ ከምዝኸውን ድማ ወሲኸን ሓቢረን።

ደቀንስትዮ ብኣሃዝ ፍርቂ ህዝቢ ሴነጋል እንተኾና እዃ መብዛሕትአን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸባ ኣብ ሓደገኛን ዘይውሑስ ኩነታት ዝነብራ'የን።

ባባካር እተን ዝበዝሓ ገና ዘይወሰና ዘለዋ ደቀንስትዮ መረጽቲ ክመርጽአን እዉን ተስፋ ይገብራ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG