ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ማኪ ሳል ንሳልሳይ እብረ ፕረዚደንት ከም ዘየወዳደሩ ኣፍሊጦም፣ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ


ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል- ፋይል
ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል- ፋይል

ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ነቲ ነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐ ግምታት ዘፍሸለ፡ ንሳልሳይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንትን ከም ዘይወዳደሩ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ሳል ንቅዋም እታ ሃገር ንምእዛዝ ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ውሳነኦም ካብ ደገፍቲን ተቓወምቲን ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ ኣሎ።

ደገፍቲ ፕረዚደንት ሳል፡ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ተተስፍዮም ነይሮም። ድሕሪ ውሳነኦም ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ገዛኢ ሰልፊ ኰይኖም ብምስቍርቋር ክደፋነቑ ይርኣዩ።

ሓደ ካብቶም ሕሉፋት ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ዝዀኑ ነባሮ ዳካር፡ ንውሳነ ፕረዚደንት ሳል ከም ዘኽብሮ ይሕብር። ዝዀነ እቲ ሰልፊ ዝሓረዮ ተወዳዳሪ ክድግፍ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።

ኵላቶም ሰኔጋላውያን ግን ኣይኰኑን ንሳልሳይ እብረ እቲ ፕረዚደንት ዝጽበዩ እኳ ደኣ እቲ ዝዓበየ ፍርሒስ፡ ቅዋም እታ ሃገር ዘየፍቅዶ፡ ንሳልሳይ እዋን ተወዳዲሩ ከም ካልኦት መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ናይ ኣይቮሪኮስትን ቶጎን ሃገራዊ ቅዋም እናለወጡ ስልጣኖም ዘናውሑ ከይከውን’ዩ ነይሩ።

መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን እምበርኣር ናእዳኦም የስምዑ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም፡ ፕረዚደንት ጊኒ ቡሳው ኦማሮ ሲሰኮ አምባሎን ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ንተበግሶ ፕረዚደንት ሳል መጕሶም። ፕረዚደንት ሳል ንሳልሳይ እብረ ክወዳደሩ ምስ ዝፍትኑ ብዛዕባ ክስዕብ ዝኽእል ህዝባዊ ናዕቢን ምፍሳስ ደምን ብዙሓት ፈሪሖሞ ዝጸንሑ’ዮም። ተቓወምቲ ውድባት’ውን ነቲ ዘይተርፍ ዝበሉዎ ሳልሳይ እብረ ኣብ ግምት ኣእትዮም ክዳለዉ’ዮም ጸኒሖም። ሕጂ እምበኣር እዚ ውሳነ ንዅሉ ኣዕሪፉ ኣሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ ንፍርዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦስማነ ሶንኮ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ሰፋሕቲ ናይ ተቓወምቲ ምልዕዓላት ተራእዩ’ዩ። ብኽሲ ጾታዊ ዓመጽ ንኽልተ ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዶ ሶንኮ፡ እቲ ተግባር፡ ፕረዚደንት ሳል ንሳልሳይ እብረ ንምድላውን ክብድሁዎ ዝኽእሉ ተቓወምቲ ንምእላይን ዝብል ግምታት’ዩ ክወሃቦ ጸኒሑ።

ንማእሰርቲ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ስዒቡ ብዝተላዕለ ጎንጺ ብውሑዱ 16 ሰባት ሞይቶም።

ሕጂ እምበኣር ገለ ደገፍቲ ሶንኮ፡ መራሒኦም ኣብቲ ውድድር ኣትዩ ክምረጽ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG