ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሴኔጋል ብዝተላዕለ ተቃውሞ 16 ሰባት ሞይቶም


ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ተቃወምቲ ሴኔጋል ዑስማን ሶንኮ ኣብ ቀረባ ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ ብዝተላዕለ ግጭት ብውሑዱ 16 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 350 ምቑሳሎምን ተገሊጹ'ሎ።

ነቲ ኣብታ ሃገር ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዝተላዕለ ተቃውሞ ስዒቡ መንግስቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ተንቀሳቃሲ ቴሌፎናት ምዕጻው ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ተቃውሞ ዝተላዕለ ሶንኮ ዝሓለፈ ሓሙስ ፈለማ ብፆታዊ ዓመፅ ተኸሲሱ እንተነበሩ ድሒሩ እቲ ክሲ ንትሕቲ ዕድመ ኣጋዕዝዩ ናብ ዝብል ጉድለት ስነ ምግባር ጎዲሉ ናይ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣብ ዘየለወሉ ተፈሪዱ። ንሱ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ከይወዳደር ኮነ ተባሂሉ ዝተወሃበ ውሳነ እዩ ይብል።

ቀይሕ መስቀል ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን 36 ኣባላት ምክልኻልን ፀጥታን ዝርከቡዎም ጉድኣት ንዝወረዶም 357 ሰባት ሓገዝ ከምዝሃበ ገሊፁ ኣሎ።

ደገፍቲ ሶንኮን ፕረዚደንት ማኪ ሳልን ነቲ ህውከትን ሞትን ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG