ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ሴኔጋል መዝነቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከምዘረክቡ ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳል
ፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳል

ፕረዚደንት ሴነጋል ማኪ ሳል መዝነቶም ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ከምዘረክቡ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንታዊ ምርጫ መዓስ ከምዝሳለጥ ግና ኣይሓበሩን።

ክልተ ናይ መዝነት ጊዜ ይዛዝሙ ዘለው ፕረዚደንት ሳል፣ ብሰንኪ መን’ዩ ክወዳደር ዝኽእል ዝብል ምስሕሓብ፣ ንእዋን ምርጫ ብዓሰርተ ኣዋርሕ ኣናዊሖሞ ጸኒሖም እዮም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም ዝመጽእ ሰሙን ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ከምዝማኸሩ ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ቅስንቲ ዴሞክራሲ ትራኣይ ዝነበረት ሴነጋል ብሰንኪ ምርጫን ዘስዓቦ ምስሕሓብን ናብ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሞት ዘስዓበ ተቃውሞን ትሰጋገር ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG