ዋሽንግተን —
ብፕረዚደንት ሴነጋል ዝነበሩ ማኪ ሳል ዝጸደቐ ቅትለት ኣብ ዘስዓበ ፖለቲካዊ ህውከት ንዝተሳተፉ ምሕረት ዝገብር ሕጊ ክተርፍ ዝገብር ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ናብ ፓርላማ ከምዘቅርቡ ቀ/ሚ’ታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ኣሳሓሓቢ ሕጊ ምሕረት ክትግበር ዝጀምረ ፕረዚደንት ሳል፣ ኣብ’ታ ቅስንቲ ትባሃል ሃገረ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንክናዋሕ ምስ ኣዘዙ ንዝተላዕለ ተቃውሞ ንምትህድዳእ ኢሎም ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ነቀፍቲ ግና ስጉምቲ’ቶም ፕረዚደንት ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንዝተፈጸሙ ገበናት ንምኽዋል እዩ ኢሎም ይቃወሙ።
ቀ/ሚ ሶኖኮ ሎሚ ይወስድዎ ዘሎ ስጉምቲ ሕነ ንምፍዳይ ዘይኮነ ኣብ ክንድኡ ሰላም ዝሰፍነሉን ፍትሒ ንምርግጋጽ’ዩ ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ይሕብር።
ቅጥዒ