ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሰኔጋል ምርጫ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ኣናዊሕዎ


ተቓወምቲ ኣባላት ፓርላማ ድምፂ ከይህቡ ምስተኸልከሉ ፓርላማ ሰኔጋል ምርጫ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ኣናዊሕዎ።

ፓርላማ ሰኔጋል ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ'ታ ሃገር ክሳብ 15 ታሕሳስ 2024 ኣናዊሕዎ። ነዚ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ተቃውሞ ዝተላዕለ ኽከውን ከሎ ሓይልታት ፀጥታ ነቲ ምርጫ ዝምልከት ዝተኣከበ ፓርላማ ብምኽባብ ነቲ ከይዲ ክዓፅውዎ ንዝፈተኑ ተቓወምቲ ኣባላት ብሓይሊ ክወፁ ገይሮምዎም። ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰኔጋል 25 ለካቲት 2024 ክካየድ'ዩ ተመዲቡ ነይሩ።

እቲ ዝፀደቐ ሕጊ 2 ሚያዚያ ከብቅዕ ዝነበሮ ስልጣን ፕረዚደንት ሶል ሓዱሽ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣናዊሑዎ ኣሎ።

ምንዋሕ ምርጫ ብዝምልከት ተቃውሞ ብምሕያሉ ሰኑይ ናይ ሞባይል ኢንተርኔት ተደሪቱ ኔሩ። እቶም ኣባላት ፓርላማ ኣብቲ እማመ ይካትዑ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓይልታት ፀጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ ከለው ሰልፈኛታት ናብ ዋና ከተማ ዳካር ብምውሓዝ ጎማታት ኣቃፂሎም።

ክልተ ኣባላት ተቓወምቲ ፓርትታት ንምንዋሕ እቲ ምርጫ ንምብዳህ ጥርዓኖም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG