ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሴነጋል -- ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ሞባይል ቴለፎን ተቋሪጹ


ተቃውሞ ኣብ ከተማ ዳካር - ፋይል
ተቃውሞ ኣብ ከተማ ዳካር - ፋይል

ኣብታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ጽልኢ ኣብ ምፍጣርን ናዕቢ ምልዕዓልን ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ሚኒስትሪ መራኸቢታት ሴነጋል ኣብታ ሃገር ሎሚ ሰሉስ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ምቍራጹ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ሴነጋል፡ ማኪ ሳል፡ ን25 ለካታት ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ንታሕሳስ ድሕሪ ምስግጋሩ ብሰንኪ ዝተላዕለ ጎነጻዊ ተርእዮ’ዩ።

ብሰንኩ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ዛጊት ሰለስተ ዜጋታት ሞይቶም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ’ውን ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ ብፕረዚደንት ማኪ ሳል ዝቐረበ ምስግጋር እዋን ምርጫ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ተቓውሞ ንምትህድዳእ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ተንቀሳቐስቲ ቴለፎን ምቍራጹ ይዝከር።

ምስግጋር እቲ ምርጫን ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ንኣመሪካ ሓዊስካ ብሓያሎ ሃገራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ከቢድ ኩነኔ ኣስዒቡ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG