ዋሽንግተን —
መራሒ ተቓወምቲ ሴነጋል ኦስማነ ሶንኮ ብክሲ ብልሽውና ንክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። መንግስቲ ነቲ ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢዎል`ሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2019 ምርጫ ሴነጋል ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዝወጸን ኣብ መንጎ መንእሰያት ህቡብ ሽም ዘለዎ ተቓዋሚ፡ ብኣካል ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን፡ ኣብ ዘየለወሉ`ዩ እቲ ውሳነ ተበይኑ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓብዱ ካሪም ፎፋና፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብናጽነትን ብግልጽን`ዩ ስርሑ ኣካይዱ ክብል ንውሳነ ቤት ፍርዲ ደጊፉ`ሎ። ጠበቕኡ ናይ ምትሓዝ ትእዛዝ ኣይተመሓላለፈን ይብል፡ ሚንስተር ፍትሒ`ታ ሃገር ኣብ ዝኾነ እዋን እቲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ይኽእል`ዩ ኢሉ`ሎ። እቲ ንመንእሰያት ኣብ ብልሽውና ብምስታፍ ዝተኸሰሰ ሶንኮ፡ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ`ውን ንከይሳተፍ ክእገድ ይኽእል`ዩ። ንፕረዚደንት ማኪ ሳል ቀንዲ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝርኣይ ዝነበረ ሶንኮ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሳልሳይ ግዜ ከምዘይወዳደር ብወግዒ ንከፍልጥ ክደፍእ ጸኒሑ`ዩ።
ቅጥዒ