ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንዋሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰኔጋል ስዒቡ ተቓውሞ ኣብታ ሃገር ይካየድ


ኣብ ሰኔጋል ሓይልታት ፀጥታ ነቲ ኣብዚ ወርሒ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምንዋሕ ዝካየድ ኣኼባ ፓርላማ ንምቅዋም ዝተኣኻኸቡ ሰባት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተበተኑ ሰልፈኛታት ነቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕረዚደንት "ማኪ ሶል መላኺ’’ ክብሉ ጭርሑ ኣስሚዖም።

25 ለካቲት 2024 ክካየድ ተመዲቡ ዝነብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ወግዓዊ ወፍሪ ክጅምር ሰዓታት ምስተረፎ ፕረዚደንት ማኪ ሶል እቲ ምርጫ ንክናዋሕ ኣዊጆም፡ ነዚ ስዒቡ ሰኔጋል ምስ ዘጋጠማ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ምቅላስ ትርከብ።

መራሕቲ ተቓዋሚ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ክብሉ ብምግላፅ "ሕገ መንግስታዊ ዕልዋ’’ ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኖምዎ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዋና ከተማ ዳካር ናይ ሞባይል ኢንተርኔት ምቁራፁ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ትዕዝብቱ ኣካፊሉ'ሎ።

ተቓወምቲ ኣብቲ ብዓሰርተታት መኮነናት ፖሊስን ዓበይቲ መካይንን ዝተደገፉ ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ዝሕሎ ፓርላማ እታ ሃገር ሰልፊ ክካይድ ፀዊዖም እዮም።

ኣብታ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢሙወን ካብ ዘይፈልጣ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሰኔጋል ነፃነታ ካብ እትርከብ 1963 ንደሓር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክናዋሕ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG