ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነተር ጂም ሪች፤ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኲናት ክልል ትግራይ ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ስጉምቲ ክትወስድ ይጽውዑ


ሰነተር ጂም ሪች- ፋይል
ሰነተር ጂም ሪች- ፋይል

ካብ ኣይዳሆ ዝተወከለን ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ዝኾነን ሰነተር ጂም ሪች፡ ብዛዕባ'ቲ ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐረብ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ገበናት ኲናትን ገበናት ጸረ-ስብኣውነትን ምፍጻሙ ዝጠቅስ መግለጺ፡ “እዚ ምምሕዳር`ዚ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ፖሊሲ ወጻኢ`ዩ እናበለ ዝዛረቦ ነገር፡ ነቲ ሓቂ ዝገልጽ ስጉምቲ ምውሳድ ዝሓጽሮ`ዩ" ኢሉ።

ኣንተኒ ብሊንከን ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሱ ድሕሪ መዓልታት ብዛዕባ`ቲ ዝደንጎየ ውሳነ ኣብ ኲናት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ዘሰካሕክሕ ግፍዕታት ተዛሪቡ`ሎ ዝበለ ሰነተር ሪች፡ እዚ ምምሕዳር`ዚ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝተፈጸመ ቀትለታዊ ግጭታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት፡ ኣመሪካ ትህቦ ምላሽ ዘነኣእስ`ዩ ኢሉ።

እቲ ካብ ኣይዳሆ ዝተወከለ ሪፓብሊካን ሰነተር “ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ግፍዕታት ከይፍጸምን ፈጸምቲ ተሓተቲ ከምዝኾኑ ንምንጻርን ተሪር ስጉምቲ ኣመሪካ ዝጠልብ`ዩ“ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG