ዋሽንግተን —
ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣመሪካ ንዳርጋ ሓደ ሰሙን ክካታዓሉ ዝቐነየ ናይ 95.3 ቢልየን ዶላር ንዩክሬን፥ ንእስራኤልን ታይዋንን ዝቐንዐ ሓገዝ ብድምጺ ኣሕሊፉ።
ኣብቲ ንተራ ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝምልከት ጉዳይ ኣብ መንጎ ሪፓብሊካውያን ዲሞክራትን ናይ ሓሳባት ምክፍፋል ኣስዒቡ`ዩ።
ዝተወሰኑ ኣባላት ሪፓብሊካን ሰልፊ፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣ ዘለዋ ጸገማት ክተተኩር ኣለዋ ብዝብል ንዩክሬን ዝተመተደበ 60 ቢልየን ዶላር ክቃወምዎ ከለው፡ እኹላት ሪፓብሊካውያን ምስ ደሞክራት ስለዝወገኑ፡ እቲ ዓንቀጽ ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ`ሎ።
ነቲ ዓንቀጽ ከም ዝሓለፍ ዝገበረ ቀንዲ ረቛሒ፡ ንዩክሬን እንተገዲፍናያ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከሻድንን ኣብ ዙርያ ዓለም ንሃገራዊ ጸጥታና ስግኣት ክኸውንን`ዩ ብዝብል`ዩ።
ቅጥዒ