ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብራር ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ዘስዓቦ ተገራጫዊ ግብረ መልሲ


ፕረ.ትራምፕ(ጸጋም)፡ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ነበር ኮመይ፡ ግዝያዊ ዳይሬክተር ማካቤ
ፕረ.ትራምፕ(ጸጋም)፡ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ነበር ኮመይ፡ ግዝያዊ ዳይሬክተር ማካቤ

ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ዋይት ሃውስ ዳይረክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ(ኤፍ ቢ ኣይ) ዝነበሩ ጄሚስ ኮሚ ናይ ትካሎም እምነት ብምስኣኖም’ዮም ካብ መዝነቶም ተባሪሮም እንተበለ ግዚያዊ ዳይረክተር እቲ ትካል ትማሊ ሓሙስ ንሰኔት’ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግን ምስዚ ዝገራጨው ኮይኑ’ሎ።

ዋይት ሃውስ ዳይረክተር ጄሚስ ኮሚ ዝተባረርሉ ብዙሓት ምኽንያታት ሂቡ’ሎ።

ኣብ ካፒቶል ሂል ቃለ ምስክርነቶም ዝሃቡ ግዚያዊ ዳይሬክተር ኤፍ ቢ ኣይ ኣንድሪው ማካቤ ግን ምስክርነቶም ካብዚ ዝተፈለየ እዩ።

“ዳይሬክተር ኮሚ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ውሽጢ ኤፍ ቢ ኣይ ሰፊሕ ተቐባልነት ነይሩዎም”ኢሎም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ናይ መባረሪ ደብዳብኦም ምስ ሩሲያ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝካየድ ምርመራ ዒላማ ኣይኮንካን ኢሉ ኮሚ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ነጊሩኒ ንዝበልዎ ኣባላት ሰኔት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎም ኣሎ።

ግዚያዊ ዳይሬክተር ኣንድሪው ማካቤ እውን ኣብ ልዕሌኻ ምርመራ ይካይድ ኣሎ ኢሉ ኤፍቢኣይ ምዝራቡ ልሙድ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን እየ ኢሎም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ኔንቢሲ ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣብቲ ደብዳቤ ዝፀሓፉዎ ደጊሞምዎ ኣለው።

ዲሞክራሲያዊያን ግን መባረሪ ምኽንያት እዚ ኣይኮነን እዮም ይብሉ።ኣብ መንጎ ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ወፍሪን ሩሲያን ንዝነበረ ምትእስሳር ምርመራ የካይዱ ስለዝነበሩ እቶም ፕረዝደንት ንኮሚ ዘባረሩዎ ምስዚ ብዝተኣሳሰረ እዩ ዝብል ስነሞገት ኣልዒሎም ኣለው።

ገለ ሪፓብሊካዊያን እውን እቶም ፕረዝደንት ናይ ምብራር ምሉእ ስልጣን’ዃ እንተሃለዎም እዋኑ ግን ዘተሓታት እዩ ይብሉ።

ግዚያዊ ዳይሬክተር ኤፍ ቢ ኣይ ኮሚ እንተተባረሩ እውን እቲ ትካል ግን ምርመርኡ ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምብራር ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ዘስዓቦ ተገራጫዊ ግብረ መልሲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

XS
SM
MD
LG