ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰምሃር ገብረሚካኤል፡ ካብ ገጸ-ባህርያት ኦክላሃማ ሓንቲ


Semhar Ghebremichael
Semhar Ghebremichael

እቲ ታሪኽ፡ ኣብ Cowboysን ሓረስቶትን ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ ዲቕ ዝበሉ ነባራት ኣመሪካውያን ዝምእከል ብምዃኑ፡ ብኤርትራውያን ወለዳ ዝዓበየት መንእሰይ፡ ኣብ`ዚ ባህሊ`ዚ ሰንጢቓ ክትኣቱ ምርኣይ ፍሉይነት ኣለዎ። ካብ ጓል 4ተ ዓመታ ጀሚራ ሳዕስዒት ከምዝጀመረት ዝገለጸት ሰምሃር፡ ንደርፍን ተወሳእነትን`ውን እናፈተወቶ ከምዝመጸት ትገልጽ።

ሰምሃር ትዋሳኣላ ዘላ `ኦክላሃማ` ዘርእስታ ሙዚቃዊት ድራማ፡ ከምቲ ብልምዲ ዝፍለጥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተሰርሐ መድረኽ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከል ተመልከቲ ኾይኑ፡ ተዓዘብቲ ብዙርያ ዝኸበብዎ ክባዊ መድረኽ `ዩ። ስለዚ “ኣብ ዙርያዊ መድረኽ ተዋሲአ ስለዘይፈልጥ፡ መጀመርያ ብሓቂ ኣፍሪሑኒ`ዩ-ደሓር ግን ከም ገዛይ ለሚደዮ” ትብል ሰምሃር።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተለቪጅን`ውን ናይ ምቕራብ ዕድል ዘጋጠማ ሰምሃር፡” ዛጊድ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ኹሉ ዘስተማቐርክዎን ዝዓበየን ግን ኣብ The Lion King ምስርሐይ`ዩ” ትብል።

ኣብ Pittsburg Pennsylvania ተወሊዳ ካብ Marymount Manhattan College ብኮሚኒከሽን ብድግሪ ዝተመረቐት ሰምሃር ገብረሚካኤል፡ “ወለደይ ከም ብዙሓት ኤርትራውያን ወለዲ፡ ትምህርቲ ቀዳምነት ሰሪዐ ክሰርሓሉ ይመኽሩና`ዮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ስድራ ቤትና ዝነበረና ውዕል፡ ኣብ ትምህርቲ ልዑል ነጥቢ እናምጻእና ኣብ ኻልእ ዝደለናዮ ስነ ጥበብ ንኽንዋሳእ`ዩ” ትብል።

XS
SM
MD
LG