ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ክፍትሑ ዝወሰነሎም ኣባላተይ ሓይልታት ፀጥታ ኣሲሮምዎም ኢሉ ሰማያዊ ፓርቲ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈፀመ ማሕረዲ ስዒቡ ኣብዝፀውዖ ናይ 14 ሚያዚያ 2007 ዓ/ም ሰልፊ ብዝተፈጥረ ረብሻ ካብ ዝተኣሰሩ ሓሙሽተ መናእሰይ ኣባላት ሰማያዊ ፓርቲ ኣርባዕቲኦም ክፍትሑ ቤት ፍርዲ እንተኣዘዘ እውን ፖሊስን ደሕንነትን መሊሶም ኣሲሮምዎም ኢሎም ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።

እቲ ቤት ፍርዲ ኤርሚያስ ፀጋየ ንዝተብሃለ ብነፃ፣ንወይንሸት ሞላ፣ ዳንኤልን ንቤተልሄምን ክልተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ብይን ሂቡ ይኹን እምበር ማእሰርቶም ስለዝወድኡ ክወፁ፣ሰለስተ ወርሒ ዝተፈረዶ ድማ ዝተረፈ ሓደ ወርሒ ክሳብ ዝውድእ ክፀንሕ ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ይገልፁ ኣቶ ይልቃል ጌትነት።

‘’ንኣብያተ ህንፀት ቃሊትን ቅሊንጦን ትእዛዝ ተፃሒፉ።ናትና ኣባላትን ቤተሰብ እሱራትን ንምፍታሕ ምስከዱ እቶም ኣወዳት ካብ ቅልንጦ ምስ ወፁ ዝተዓጥቑ ናይ ደሕንነት ሓይልታትን ናይ ስቪል ዝተኸድኑ ፖሊሳትን ናብ መኪና ክኣትው ኣገዲዶምዎም’’ይብሉ።ቤት ፍርዲ ክወፁ እንተኣዘዘ እውን ፖሊስን ደሕንነትን መሊሱ ኣሲሩዎም ኢሎም ብምውሳኽ።

እቶም ኣሰርቲ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣይሓዙን ዝበሉ ኣቶ ይልቃል መሊሶም ዝተኣስርሉ ምኽንያት እውን ኣይፍለጥን ኢሎም።

ካብ ፖሊስ መብርሂ ንምርካብ ፈቲነ ኣይሰለጠንን።

XS
SM
MD
LG