ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

Selamlingo.com ዝተባህለ መርበብ ሓበረታ ቆልዑት ቋንቁኦም ከይርስዑ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛን ጀርመንኛን የስተምህር


ዓማዊል ሰላምሊንጎ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕቲኦም ቆልዑት`ዮም፡ ዓበይቲ`ውን ይምሃሩ`ዮም ትብል ወናኒት`ቲ ቤት ትምህርቲ

ኣበባ ግርማይ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ትነብር ኤርትራዊት`ያ። በዓልቲ ሞያ ሕክምና እንተኾነት`ኳ፡ ናይ ቋንቋ ኽቱር ድልየት ስለ ዘለኒ ናብኡ ዘይረ ትብል። "ብፍላይ ግን ደቀይ ባህሎምን ቋንቁኦምን ከይርስዕዎ ብዝብል ነቲ ተበግሶ ምስጀመርክዎ፡ ካልኦት`ውን ንደቅና ኸኣ ኣምህርልና ክብሉኒ ጀሚሮም" ትብል።

በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቖልዑን ወ/ሮ ኣበባ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብONLINE ተጠቒማ ፡ ቋንቋታት ኸምትምህር፡ ብኣካል`ውን ኣብ ዝተፈላለያ ስቴታት እናዘወረት ከም ተስተምህር ትገልጽ። ከም ወተሃደራት ዝበሉ ዓበይቲ`ውን ካብ መንጎ ዓማዊላ ምዃኖም ትጠቅስ።

  • ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኮይና ቐሪባ`ላ፡ ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG