ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይምዕብል ንዘሎ ክስተት ንኢዱ


ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መንጎ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን 16 መስከረም 2018 ኣ/ፈ ኣብ ጂዳ ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ሰላም፣ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባርን ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ሳውድ ንዝተፃወቱዎ ታራ እውን ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ዘመን ሰላም፣ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባራትን ከምኡ እውን ንዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ንምስራሕ ዘለወን ድልውነት ንኢዱ’ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፕሬዝዳንትታ ጅቡቲን ኤርትራን ኣብ ጂዳ ምርኻቦም ኣብ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝኸውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተስፍኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲአን ሃገራት ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንምምፃእ ፅምድአን ክቕፅላ ኣተባቢዖም ኣለው።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ፃዕርታተን ንናይቲ ዞባ ሃገራት ንምሕጋዝ ቅሩብ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG