ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃገራት ኣብ ልዕሊ የመን ዝጸንሓ እገዳ አሓዲሱ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንሓበሬታ ሰብ ሞያ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቀውሲ የመን ክሰምዕ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ዝስማዕ ዘሎ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝሓለፈ ውሳነ ድሕሪ ምእጋታ’ዩ። እቲ ውሳነ ኢራን ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ምትሕልላፍ ኣጽዋር ንተቓወምቲ ሑቲ ክትቆጻጽር ኣይክኣለትን ብዝብል እዩ። እንተኾነ ሩስያ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ብዘለዋ ዓብላሊ ድምጺ ነቲ ውሳነ አጊታቶ’ላ። ቦልቭያ ንውሳነ ሩስያ ክትድግፍ ኸላ ቻይናን ካርዛኪስታንን ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቒበን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃገራት ኣብ ልዕሊ የመን ዝጸንሓ እገዳ አሓዲሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:59 0:00

ስለዚ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ብሩስያ ዝሓለፈ ውሳነ ነቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዝጸንሓ እገዳ ንሓደ ዓመት ክቕጽልን ነቲ ኩነታት ዝከታተል ጉጅለ ሰብሞያ ስርሑ ከሓድስን ዝብል ከምተቐበሎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ልዑኽ ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኬሊ ኩሪ እዚ ውሳነ ሩስያ፡ ኢራን ኣብ ዘይምርግጋእ እቲ ዞባ ተካይዶ ጻዕርታት ዘጋድድ እዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣብ ቀረባ ዘካየዶ ምክትታል ምትግባር እገዳ መሰረት ዝገበረ ጸብጻብ ፡ ኢራን ንተቓወምቲ ሑቲ ዝመሓላለፍ ኣጽዋር ደው ከተብሎ ከምዘይከአለት ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት’ውን ናብታ ሃገር ዝኣተው ሰብ ኣዊ ሓገዝ ከምዝተዓናቐፉን ገለ ካብቲ ዘካየድዎ ደብዳብ ነፈርቲ’ውን ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ዝጥሕስ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG