ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኢዱ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ብምፍርራሞም ናእድኡ ገሊፁ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምቕፃል ዝተበፅሐ ስምምዕ ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነትን ሸሪክነትን ዝኸፈት እዩ ኢሉዎ’ሎ።

ኣብቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መደብ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምትግባር ምስምምዓን’ውን ንኢዱዎ’ሎ።

እቲ ታሪኻውን ኣገዳስን ምዕባለ ኢሉ ዝፀውዖ ስምምዕ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንካልኦትን ኣወንታዊ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ ኢሉዎ’ሎ።

እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ስምምምዕ ክትግብራ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንምሕጋዝ ቅሩብ እዩ ይብል ።ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ከይዲ ንምሕጋዝ ዝሃቡዎ ቃል ዝሓበረ እቲ መግለፂ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብትናን ዝኸፍት እዩ ምባሎም እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG