ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ስግኣት ኣሜሪካዊያን መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ ኮይኑ ኣሎ


ግብረ-ሸበራን ሃገራዊ ድሕነትን፣ ኣብ መስርሕ ፕረዝደንታዊ ውድድር ኣሜሪካ ማእከላይ ስፍራ ሒዞም ይቕጽሉ ኣለው።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ ፓሪስን ሳን በርናርዲኖ ካሊፎርንያን፣ኣሜሪካዊያን ንድሕነት ልዕሊ ቁጠባ ክሰርዑ ይረኣዩ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ኩኒፓክ፣ ንደምበ ሪፐብሊካዊያን ይመርሕ ዘሎ ዲታ ዶናልድ ትራምፕ 28 ሚእታዊ፣ ሴነተር ቴድ ክሩዝ 24 ሚእታዊ፣ ሴነተር ማርኮ ሩብዮ 12 ሚእታዊ፣ ዶ/ር ቤን ካርሰን ድማ 10 ሚእታዊ ድምጺ ህዝቢ ረኺቦም ኣለው።

እንተኾነ ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሪፐብሊካዊያን ፍርቆም፣ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ ምርኣይ ዘሕንኽ’ዩ በሃልቲ’ዮም።

XS
SM
MD
LG