ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሪክስ ቲለርሰን ናብ ኣፍሪካ ክገሹ እዮም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሪክስ ቲለርሰን ካብ 6-13 መጋቢት 2018 ኣ/ፈ ኣብዝገብርዎ ፈላማይ ናይ ኣፍሪካ መግሽኦም ኣብ ቻድ፣ጅቡቲ፣ኢትዮጵያ፣ኬንያን ናይጀሪያን ከምዝበፅሑ ተፈሊጡ።

ቲለርሰን ምስ መራሕቲ ሕድ ሕድ ሃገራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሮም መራሕቲ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካን ክራኸቡ እዮም።ምስ መንግስታትን ህዝብ ኣፍሪካ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር፣ብፍላይ ድማ ኣብ ፀረ ሽብር፣ሰላምን ፅጥታን ንምስጓም፣ምስፍሕፋሕ ሰናይ ምሕደራ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክዝትዩ እዮም።

XS
SM
MD
LG