ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ መትረብ ፓናማ ይበጽሑ


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ፈላማይ ኣብ መትረብ ፓናማ
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ፈላማይ ኣብ መትረብ ፓናማ

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ምብጻሕ ናብ መትረብ ፓናማ የካይዱ ኣለው።

ሩብዮ ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ መትረብ ሪካርተ ቫስኩስ ሞራለስ ብምዃን ነቲ መትረብ በፂሖም ኣለው።

ሩብዮ ነዚ ዑደት ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ 82-ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መትረብ ኣመሪካ መሊሳ ክትቆፃጸሮ ከምትደሊ ምግላፆም ስግኣት ፈጢሩ ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን'ዩ።

እቲ መትረብ ኣብ መበል 20-ክፍለ-ዘበን ብኣመሪካ ዝተሃንፀ መራኽብ ኣመሪካ ካብን ናብን ኣትላንቲክ ውቅያኖስ መታን ኽመላለሳ’ዩ።

ኣመሪካ ነቲ መትረብ ንፓናማ ዘረከበታ ኣብ 1999 ዓ.ም’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG