ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ፤ ብሊንከን ንዝተበጽሐ ምዕባለታት ይንእድ


ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሎሚ ሻድሻይ ወርሑ ኣብ ዝመልኣሉ፡ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኢዱ። ብሊንከን ኣብቲ ሎሚ ብመገዲ ቤት ጽሕፈቱ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ስምምዕ ብምንኣድ፡ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ተስፋ ዘውህብ’ዩ ኢሉ።

ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ተኸቲሉ ዝተጀመረ ምኽፋት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ምቛም ግዜያዊ ምምሕዳርን ብምንኣድ፡ ኣመሪካ ንዝያዳ ክትትል፡ ውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታትን ዳግም ምምላስ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ከም እትድግፍ ድማ ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ። ኣስዒቡ እቲ መግለጺ፡ ዝተረጋገጸ ጠቕላላ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ዘይፈደራላዊ ሓይልታትን ካብ ትግራይ፣ ውሕስ ኣሰጋጋሪ ፍትሒ፡ ተሓታትነት ንፈጸምቲ ግፍዒን ንዘላቒ ሰላም ወሰንቲ ነጥብታት'ዮም ክብል'ውን ኣስፊሩ።

ብሊንከን ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ታንዛኒያ ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን’ውን ብጽቡቕ ክቕጽልን ነባሪ ሰላም ከምጽእን ዘለዎ ተስፋ ኣካፊሉ።

XS
SM
MD
LG