ዋሽንግተን —
እስራኤል ኣብ ሶርያን ምዕራባዊ ገምገምን ደብዳብ ኣብ ዝቐጸለትሉ ሕጂ እዋን ረድኤት ዝፀዓና መካይን ንካልኣይ ጊዜ ቓዛ ኣትየን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ናይ ሊባኖስ ዕጡቕ ጉጅለ ህዝቦላሕ ናይ ባዕሉ ኲናት እንተጀሚሩ እስራኤል "ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ብሓይሊ ክተልምሶ እያ’’ ኢሎም።
ሓማስ 7 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅም ኣትሒዙ እስራኤል ኣብ ቓዛ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ንምጅማር ኣብ ምቅርራብ ትርከብ። ታንክታትን ወታሃደራትን ኣብ ዶብ ቓዛ ብምውፋር ዶባ ንምስጋር ትእዛዝ ኣብ ምፅባይ ይርከቡ።
ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ብሓማስ ዝመሓደር ከባቢ ፍልስጤም ዛጊት ኣብ ቓዛ ልዕሊ 4,600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ኣብ እስራኤል ድማ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም።
ቅጥዒ