ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ተኻይዱ


ካልኣይ ዙር ክትዕ ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ሴንት ሉዊስ ተኻይዱ።

ክልቲኦም ሕጹያት ንመን ይመርጹ ካብ ዘይወሰኑ ኣሜሪካዊያን ንዝቀረበሎም ሕቶታት ውን መሊሶም።

ሓሓሊፎም ኣብ ክትዖም ተላቲሞም' ዮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ምሸት ክትዕ አገዳሲ ትኩረት ካብ ዝረኸቡ ዛዕባታት ፖሊሲ ጥዕና(Obama Care):ፖሊሲ ግብሪ :ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ: ኢምግረሽንን ካልኦትን ይርኸብዎም።

ኣብ መወዳእታ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን "ዶናልድ ትራምፕ እሩማት ቆልዑ ብምዕባዩ አኽብሮት አለኒ" ክብላ ኸለዋ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም "ኢዳ ዘይትህብ : ተስፋ ዘይትቆርጽ: ተባዕን ተቃላሲትን ብምኳና ናዕዳ አለኒ" ኢሎም።

ክልትኦም ሕጹያት ፕረዝደንት ገና ሓደ ናይ መወዳእታ ክትዕ ተሪፍዎም ኣሎ።


Recommended

XS
SM
MD
LG