ክልቲኦም ሕጹያት ንመን ይመርጹ ካብ ዘይወሰኑ ኣሜሪካዊያን ንዝቀረበሎም ሕቶታት ውን መሊሶም።
ሓሓሊፎም ኣብ ክትዖም ተላቲሞም' ዮም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ምሸት ክትዕ አገዳሲ ትኩረት ካብ ዝረኸቡ ዛዕባታት ፖሊሲ ጥዕና(Obama Care):ፖሊሲ ግብሪ :ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ: ኢምግረሽንን ካልኦትን ይርኸብዎም።
ኣብ መወዳእታ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን "ዶናልድ ትራምፕ እሩማት ቆልዑ ብምዕባዩ አኽብሮት አለኒ" ክብላ ኸለዋ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም "ኢዳ ዘይትህብ : ተስፋ ዘይትቆርጽ: ተባዕን ተቃላሲትን ብምኳና ናዕዳ አለኒ" ኢሎም።
ክልትኦም ሕጹያት ፕረዝደንት ገና ሓደ ናይ መወዳእታ ክትዕ ተሪፍዎም ኣሎ።