ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒጀር ዝበጽሑ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዖም


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኒጀር ዝበጽሑ ፈላማይ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ እዩም፣ እዚ እታ ምዕራብ ኣፍሪካቃዊት ሃገር ኣብ ዞባ ሳሕል ንዝርከቡ ግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ምምካት ንዝደልያ ምዕራባውያን ሃገራት ወሳኒት መሰረት ፀጥታ ትኸውን ምህላዋ ዘርእይ'ዩ።

ከም ቦኮ ሓራም፣ እስላማዊ መንግስትን ጨናፍር ኣልቃዒዳን ዝኣምሰሉ ግብረሽበራውያን ንኒጀርን መንግስታት ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሪቃን ስግኣት ኮይኖምቀጺሎም ኣለው መርኣያ'ዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይጄሪያ ግዛኣት ቦርኖ ዕጡቃት ብውሑዱ ን37 ገፈፍቲ ዓሳ ምቅታሎም ይዝከር።

ንስግኣታት ዞባዊ ፀጥታ ስዒቡ እዩ እምባኣር ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኒጀር ዝበጽሑ: ምስ ኒጀራዊ መዘነኦም ኒያሚ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብሊንከን ኣብ ምዕራባዊን ማእከላይ ኣፍሪቃን ከምኡ'ውን ሳሕል ዝተፈጥረ ዞባዊ ዘይምርግጋኣት ዘስዓቦ ልዑል ሰብኣዊ ድልየት መተሓባበሪ ዝውዕል ኣስታት 150 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ከምዝህቡ ዕላዊ ገይሮም።

XS
SM
MD
LG