ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ‘ዩ’’ ዝብል መርገጺ ህውሓት ዳግም ክምርመር ኣለዎ ኢሎም ኣቦይ ስብሓት ነጋ


Sibhat Nega
Sibhat Nega

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ‘’ሕቶ ኤርትራ - ሕቶ መግዛእቲ‘ዩ’’ ክብል ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ዘስፈሮ መርገፂ ዳግም ክምርመር ዘለዎ እዩ ኢሎም ንነዊሕ እዋን መራሒ ህውሓት ዝነበሩ ኣቶ ስብሓት ነጋ።ነፃነታ ኤርትራ ግና ኣየናስሐናን ኢሎም።

‘’ልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ’’ዘርእስታ ብኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ልዕሊ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ ህውሓት ንጉዳይ ኤርትራ ዝሓዘሉ ኣገባብ ሓቲትናዮም ህዝቢ ኤርትራ ንነፃነት ዘለዎ ህረፍን ዝበፅሖ ግፍዕን ኣብ ግምት ብምእታው ነፃነት ክረክብ መርገፂ ህውሓት ከምዝነበረን ዘናስሕ እውን ከምዘይኮነን ኣቶ ስብሓት ነጋ ሓቢሮም።

ሕቶ ኤርትራ መግዛሕታዊ ሕቶ እዩ ዝብል ህውሓት ኣብ ፕሮግራሙ ዘቐመጦ ዳግም ክምርመራን ክረአን ኣለዎ ኢሎም።

ምስ ኵናት ኢትዮጵያ ኤርትራ ብዝተኣሳሰረ እውን እቲ ኵናት መንግስቲ ኤርትራ ብዝሓዞ መርገፂ ክካይድ’ዃ እንተነበሮ ኢህወዴግ ንዲፕሎማሲያዊ መስርሕ ዕድል ኣይሃበን ኢሎም ኣቶ ስብሓት ነጋ።

ብዛዕባ ኩነታት ግዕዝይና ኣብ ኢትዮጵያ ተሓቲቶም ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ክትወዳደር ከላ የለን ክብሃል ከምዝክኣልን ምስ ዝተቓለስሉን ኩነታት ኢትዮጵያን ግን ‘’እወ ግዕዝና ኣሎ፤ብዘይውዓል ሕደር ክንምክቶ ኣለና’’ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:58 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG