ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብያተ ትምህርቲ ሲያትል ንጎዳኢ ባህሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝምልከት ክሲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ቴክኖሎጂ ይምስርታ


ኣብያተ ትምህርቲ ሲያትል ንጎዳኢ ባህሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝምልከት ክሲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ቴክኖሎጂ ይምስርታ

ኣብ ስያትል ዝርከባ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከም ቲክቶክ:ኢንስትግራም: ፈይስቡክ:ዩቱዩብ ከምኡ`ውን ስናፕሻት ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምስዓብ ተሓተቲ`ዮም ዝብል ክሲ መስሪተን።

እቲ 91 ገጽ ዝሓዘ ክሲ ኣብቲ መግለጺኡ፡ እቶም ካምፓኒታት ብዘፍርይዎ ንመንእሰያት ዒላማ ዝገበረ ትሕዝቶታት፡ ብዙሓት መንእሰያት ከም ጭንቀትን ቅዛነትን ዝበለ ናይ ሓንጎል ጸገም ኣስዒብሎም`ዩ ይብል። እቲ ክሲ ኣስዒቡ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ነቶም ተማሃሮ ንምስትምሃር ይጽግመን ከምዘሎን ተወሰኽቲ መማህራን ጥዕና ኣእምሮ ክቖጽራ ይግደዳ ከም ዘለዋን የመልክት።

እቲ ናይ ክሲ መዝገብ “እቶም ካምፓንታት ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ተቐላዓይ ኣእምሮ መንእሰያት መዝሚዞም ኣብ ዙርያ`ዛ ሃገር ዝርከቡ ሚልዮናት መንእሰያት ናብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝሽከሉ ብምግባር ካብኡ ሓሊፎም ናብ ጎዳእን መዝማዝን ዝኾነ ባይታ ከምዝመርሕዎም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና “ ይብል ።

ክሲ ኣቕሪቡለን ዘሎ ቤት ትምህርቲ ስያትል ሽሕ`ኳ እቶም ካምፓንታት ሳልሳይ ኣካል ተጠቀምቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ንዝልጥፍዎ ነገር ተሓተቲ ከምዘይኮኑ ዝከላኸል ፈደራል ሕጊ እንተሃለወ፡ ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ግን ንተግባራትን ባህርያትን`ተን ዓበይቲ ካምፓንታት ዝከላኸለለን ኣይኮነን ይብል። እቲ መዝገብ ክሲ ከሳሲ ዝብሎ ዘሎ “ሳልሳይ ኣካል ኣብ ገጻት ተኸሰስቲ ንዝለጠፎ ሓላፍነት ይውሰዳ ዘይኮነስ፡ ንባህርያተን ተሓተቲ እየን እዩ ዝብል ዘሎ ይብል። እኳ ደኣስ ናይ ምብላዕ ስምዒት ምጉዳል ከምኡ`ውን ጠገለ ዘይብሉ ምብላዕ ዝበለ ባህርያት ኣብ ምሓዝ ንመንእሰያት ዓሊሙ ዘተባብዕ ትሕዝቶ ይዝርግሓ`የን ይብል።

ትማሊ ነቲ ክሲ ምላሽ ዝሃባ ጉግልን ስናፕሻትን ንመድረኻተን ዝጥቀሙ መንእሰያት ኣብ ምሕላው ብዙሕ ንሰርሕ ኢና ኢለን ኔረን።

ስናፕሻት ኣብቲ መግለጺኡ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ዝሕግዝ 'Here For You in 2020' ዝብል ኣፕ ከምዝዘርግሐን ከምኡ`ውን ኣብ ቅልውላው ስምዒት ንዝርከቡ ሰባት ዝሕግዝ ትሕዝቶታት ከምዘቕረበን ድሕሪ ምግላጽ፡ሽሕ`ኳ ወለዲ ንትሕዝቶ`ቲ ደቆም ዝልጥፍዎ ክርእዩ ዘፍቅደሎም እንተዘይኮነ ወለዲ ደቆም ምስ መን ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝፈልጥሉ ዕድል ከይተረፈ ከም ዝህብ ኣፍሊጡ`ሎ፡።

ሆዜ ካስታነዳ ወሃቢ ቓል ጉግል ብወገኑ፡ ንወለዲ ከም ምድራት ግዜ ኣብ ስክሪን ምጽናሕ፡ መዘኻኸሪ ምግባር ከምኡ ምዕጻው ዝተወሰኑ ትሕዝታት ዝበሉ ዕድላትንወለዲ ከምዘቕረበ ይገልጽ።

ግዙፍ ካምፓኒ ሜታን ቲክቶክን ግን ብዛዕባ`ቲ ክሲ ተሓቲቶም ዛጊት ምላሽ ኣይሃቡን።

ሕጂ ኣቲ ኣብ ስያትል ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝተመስረተ ክሲታት ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ናይ ምሕዛንን ተስፋ ምቑራጽን ስምዒት ተሰሚዑና ኢሎም ዝሓበሩን ምንቅስቓስ ዘቋረጹን ተመሃሮ ቁጽሮም ብ30% ከምዝወሰኸ ይግለጽ። ሕጂ እተን ካምፓንታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ንኣእምሮ ዘናውጽ ትሕዝቶታት ከቋርጻ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ካሕሳ ክህባ፡ ከምኡ`ውን ንመከላኸሊ ዝኸውን ትምህርትን ንምሕዋይ ጸገማት ልዕሊ ዓቐን ምጥቃም ማሕበራዊ ሚድያ ዝኸውንን ገንዘብ ክኸፍላ እቲ ቤት ፍርዲ ክእዝዝ እቲ ክሲ ኣብያተ ትምህርቲ ስያትል ሓቲቱ`ሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣመሪካ ኣማኢት ስድራቤታት ኣብ ልዕሊ`ተን ካምፓንታት ክስታት ይምስርታ`ኳ እንተሃለዋ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዚ ናይ ስያትል ዓይነት ዝኸሰሳ ምህላወን ግን ንጹር ኣይኮነን። ውሽጣዊ መጽናዕቲ ከምዘርኣዮ፡ ምስ ፈይስቡክ ትሰርሕ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን ዝሓለፈ ዓመት 2021 ኣብ ዝገበረቶ ምቅላዕ፡ ኢንስትግራም ንመንእሰያት ይጎድኦም ከምዘሎ ይፈለጥ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብ ድሕነት ተጠቀምቱ ንላዕሊ መኽሰቡ ብምቕዳም፡ ባዕሉ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከይተረፈ ካብ ህዝብን ካብ ኣውፈርትን ከምዝሓብኦ ንፈይስቡክ ካብ ውሽጢ ኮይና ኣቃሊዓ ኔራ`ያ።

XS
SM
MD
LG