ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ሻውን ስፓይሰር ካብ መዝነቱ ተሰናቢቱ


ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ነበር ሻውን ስፓይሰር
ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ነበር ሻውን ስፓይሰር

ሻውን ስፓይሰር ካብ መዝነት ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ምስንባቱ ተሓቢሩ።

ሳፓይሰር: ዕለታዊ ብዝህቦ ዝነበረ ጸብጻብ ዋይት ሃውስን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐርበሉ ዝነበረ በዳሂ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልስታትን'ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ።

ምኽንያት ስንብታ ሻውን ስፓይሰር ብዕሊ'ኳ እንተዘይተፈልጠ: ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምምሕዳር ትራምፕ ንኣንቶኒ ስካራሙቺ ዝተባህለ ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ምስ ምምዛዝ ዝተተሓሓዘ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ግን ይሕበር ኣሎ።

ሻውን ስፓይሰር ኣብ መዝነት ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ 182 መዓልታት ጥራይ እዩ ኣገልጊሉ።

XS
SM
MD
LG