ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተምሃሮ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ናይ ሳይንስ ትምህርቲ ንድሕሪት ከምዝተረፉ ናይ ሎሚ መደብ ኣሜሪካና ይሕብር


ዴቭ ዌስት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ተምሃሮ ደድሕሪ ቻይና፡ጃፓን፡ቼክ ሪፓብሊክን ፊንላንድ ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዝተረፉ ይሰግኡ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ዝርከቡ ተምሃሮ ምስ ኣብ ብዙሃት ሃገራት ዝርከቡ መዘንኦም ብምውድዳር ኣብ ፈተናታት ሳይንስ ፅቡቕ ውፅኢት ኣየመዝግቡን ዘለው።ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሜሪካ ንናይ ሳይንስ ትምህርቲ ብዙሕ ቆላሕታ ክወሃቦ ከምዘለዎ ምሁራን ይዛረቡ። ጥሮታ ዝወፁ መሃንዲስ ዴቭ ዌይስ ናይ ሳይንስ ተመኩሮኦም ንተምሃሮን መምህራንን ይምህሩ።ንሶም ኣብ ሲልቨር ስፕሪንግ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጆርጂያን ፎረስት ንዝምሃሩ ደቂ 10 ዓመት ተምሃሮ ይምህሩ።

ዴቭ ዌስት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ተምሃሮ ደድሕሪ ቻይና፡ጃፓን፡ቼክ ሪፓብሊክን ፊንላንድ ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዝተረፉ ይሰግኡ።ኣሜሪካዊያን ተምሃሮ ከምዝስዕቡዎም ግን ተስፍኦም ይገልፁ።ንምሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG