ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስልኪ ብምድዋል ግራት ዘስቲ ሜላ


ተኽለማርያም በርሀ
ተኽለማርያም በርሀ

ተኽለማርያም በርሀ ዝባሃል መንእሰይ ኣብ ሑመራ መስኖ ማይ ብተንቃሳቓሲ ስልኪ ናይ ኣሰታትያ ሜላ ምሂዙ’ሎ:: ተኽለማርያም ነዚ ሜላ እዚ ዝማሃዘ ካብ ዝተደረበዩ ሓጺነ መጺን ኣራርዩ ብዝማሃዞ መሳርሒ ከምዝኾነ ይገልፅ::

ስልኪ ብምድዋል፣ ደወል ስልኪ ኣቐዲምካ ብምምላእን ኣብ ግራት ዝግጠም መቆፃፀሪ ብምጥቃምን ግራት ብጠብጠብታ ማይ ዘስቲ ብልሓት ፈጢሩ ንህዝቢ የላሊ’ሎ:: ውፅኢት ምህዝኡ ድማ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኸበረ መበል ሳልሳይ ዙርያ ቅነ ከተማታት ኢትዮጲያ ናብ ምርኢት ኣቕሪቡ እዩ::

“እቲ ሜላ ተጠናኺሩ እንተዓብዩ ብውሕድ ዋጋ ዝስራሕን ብቐሊሉ ናብ ሓረስቶት ዝባጻሕን ውፅኢት ቴክኖሎጂ እዩ” ይብል ተኽለማርያም::

ብተወሳኺ ልቺ ኣብ ርሑቕ ብመቆፃፀሪ ምጥፋእን ምውላዕን ዘኽእል ምህዞ እውን ብተግባር ኣርእዩ’ሎ::

እቲ መንእሰይ ብውፅኢት ምህዝኡ ዛጊድ መሰል ዋንነት አይረኸበን ዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትካል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጲያ ቤት ፅሕፈት ኣእምሮኣዊ ንብረት ክሓትት ሓሲቡ ምህላዉ ተዛሪቡ’ሎ::

ተኽለማርያም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣኽሱም ሄልኮፕተር ከምኡ እውን ሬድዮን መቆፃፀሪ ሌያቡ ደወልን ሰሪሑ ምንባሩ ገሊፁ’ሎ::

XS
SM
MD
LG