ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ክልተ ሓደሽቲ ምህዞታት ዘቕርቡ መንእሰያት ካብ ኣስመራን መቐለን


ሻም መስፍን (ጸጋም) የማነ መሓሪ(የማን)
ሻም መስፍን (ጸጋም) የማነ መሓሪ(የማን)

መንእሰይ ሻም መስፍን ብትግርኛን እንግሊዝን እትሰርሕ " ናትና" ዝሰመያ ናይ ኮምፕዩተር ኦፐረቲንግ ሲስተም ዝመሃዘ መንእሰይ'ዩ።

እዚ ኦፐረቲንግ ሲስተም ኣብ ናይ ቀደም ኮምፒተራት ተጻዒኑ ብዘይጸገም ሰባት ብቀሊሉ ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ'ውን መንእሰይ ሻም ይገልጽ።

ሻም መስፍን ኣብ 1991 ኣብ ኣስመራ (ሓዝሓዝ) ተወሊዱ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ኣብ 2016 ካብ ኮሌጅ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ብዓውዲ ትምህርቲ ኮምፕዩተር ኢንጅነሪንግ ብዲግሪ ተመሪቑ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተደርበዩ ሓፂነመፂነ ዝተሰርሐት ብኢድ ትሰርሕ ማሽን ዝመሃዘ መንእሰይ የማነ መሓሪ'ዩ።በታ ማሽን ኣቢሉ ካብ ዝተጓሓፈ ወረቓቕቲ፣ ልሕጽን ቆጽላመጽልን ተጠቒሙ ንኹቦን ዕንጸይትን ዝትክእ ውጽኢት'ውን ረኺቡ’ሎ፡፡

ምስዞም ክልተ መንእሰያት ብዛዕባ ምህዞታቶም ብዝምልከት ዝተካየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ክልተ ሓደሽቲ ምህዞታት ዘቕርቡ መንእሰያት ካብ ኣስመራን መቐለን
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:25 0:00

XS
SM
MD
LG