ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኤርትራ፡  ብውሑድ ወጻኢታትን ጸዓትን ትሰርሕ ኮምፕዩተር ተማሂዛ  


ነታ ኮምፒተር ዝመሃዙ ተማሃሮ
ነታ ኮምፒተር ዝመሃዙ ተማሃሮ

ሓንቲ ሓሙሽተ አባላት ዘለውዋ ጉጅለ ተማሃሮ ክፍሊ ኮምፒተር ምህንድስና ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂን ሳይንስን ኤርትራ፡ ኣብ ናይ መዛዘሚ ትምህርቲ ፕሮጀክት፡ብኣዝዩ ውሑድ ወጻአታት፡ብውሑድ ጸሓያዊ ጸዓትን ኤለትሪክን ትሰርሕን ብሓሙሽተ ቋንቋታት ክትጥቀመላ እትኽእልን ኮምፒተር ምሂዞም ።

“ዕላማ ናይዛ ስራሕ፡ ሕቶ ባጀትን ሃልኪ ጸዓትን ኣብ ግምት ብምእታው ፡ተጠቃምነት ኮምፕዩተር ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ፡ደረጃ ናብራን ትምህርትን ዘለዉ ሕ/ሰብ ንምዕባይ እዩ።" መሃንድሳት ሓድጉ ኣፈወርቂ፡ሄኖክ ጸሃየ፡ኣቤል ክፍሉ፡ስምኦን ዑ/ገርግሽን ስምኦን ኣለማን።

ገለ ካብ ቀንዲ ብልጫ ናይዛ ኮምፕዩተር 8ኦ ሚእታዊት ዋጋን ሃልኪ ጸዓትን ተጉድል፡ክብደታ ፈኩስ መሸፈኒኣ ድልዱል፡ በቐሊሉ ዘይትበላሾ ምስትበላሾ’ውን ብውሑድ ውጻኢታትን ብቐሊሉ ክትጽገን ትኽእልን፡ኣብ ዝተበላሸዋ ኮምፕዩተራት ነታ ክንዲ ኣይፎን ትኸውን ቦርድ ኣላጊብካ ክትጥቀመላ ትኽእል፡30 ከምዚአን ኮምፕዩተራት ብሓደ ናይ መኪና ባተሪ ክሰርሓ ዝክእላ ምኻነን ከምዝኾነ፡ ከም ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ዛ ጉጅለ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣባል ስምኦን ዑ/ገርግሽ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ፡  ብውሑድ ወጻኢታትን ጸዓትን ትሰርሕ ኮምፕዩተር ተመሂዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:53 0:00

XS
SM
MD
LG