ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ጠሊን ረስን ናይ ሕርሻ መሬት ትከታተል መሳርሒት ተማሂዛ


ሰለስተ መንእሰያት ኩነታት ረስንን ጠሊን ናይ ሕርሻ ቦታ እናተኸታተለት ባዕላ ማይ ተስትን ሓበሬታ ናብ ሞባይል ተለፎን እተመሓላልፍ መሳርሒት ምሂዞም።

ኣብ ኤርትራ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ተማሃሮ ሓሙሻይ ዓመት ምህንድስና ሕርሻ ዝኾኑ ሰለስተ መንእሰያት፡ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ንዘሎ ጠሊን ረስንን ናይ ሓመድን ኣየርን እናተኸታተለት ነቲ ተኽሊ ዘድልዮ ዓቐን ማይ ኣብ ዘድልዮ ግዜ እተስቲ መቆጻጸሪት መሳርሒት ምሂዞም።

እዞም ሳምሶን ተ/ሃይማኖት፡ ሳምሶን መልኣከን ሳይሞን ገ/ሂወትን ዝተባሃሉ ተማሃሮ ዝመሃዝዋ ውጽኢት ናይ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምህንድስና ዝኾነት መቆጻጸሪት፡ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝኾነ ጸገም ምስ ዝፍጠር ናብ ሞባይል ቅልጡፍ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ ሓበሬታ ተመሓላልፍ።

እዛ መቆጻጸሪት ብኤሌክትሪክን ብናይ ጸሓይ ጸዓትን ስለትሰርሕ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክትጥቀመላ ከምዝከኣል እዞም መሃዝታ ይዛራቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኩነታት ጠሊን ረስን ናይ ሕርሻ መሬት ትከታተል መሳርሒት ተማሂዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:08 0:00

XS
SM
MD
LG