ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋልታ ዝተደርበዩ ሓጺነመጺን ናብ ረብሓ ዘውዕል ትካል


ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዋልታ ወርክሾፕ ካብ ዝናኣሱ ክሳብ ዝዓበዩ ንሕርሻን ህንጸትን ዝውዕሉ ውጽኢት ሓጺነ መጺንን ዕንጸይቲን ይሰርሕ፡፡

ኣብ መደብር ዝርከቡ ዝተደርበዩ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ዝዓደጎም ሓጺነመጺን ኣምኪኹ ናብ ዝተፈላለዩ ውጸኢት ብምቕያር ናብ ዓበይቲ ትካላት ኢንዱስትሪ የቕርብ፡፡ ዝበዝሑ ውጽኢት ስራሕቱ ኣብቲ ዋልታ ዝበቖሉ እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ዝበዝሑ ንሕርሻን ህንጸትን ዝውዕሉ ውጽኢት ኢደ ጥበብ ኣብቲ ትካል ዝተሰርሑ ምዃኖም ይግለጽ’ሎ፡፡

ኣማሓዳሪ ዋልታ ወርክሾፕ ኣይተ ኣጽብሃ ገብረኣብዝጊ ብ1968 ዓ/ም ናብ ህወሓት ተጸምቢሩ ናብ ማይዳ ዝወረደ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ብ1987 ብኽብሪ ተሰናቢቱ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ ሞያ ሰልጢኑ ሎሚ ዕዉት ወናኒ ትካል ስራሕቲ ኢንጅነሪንግ ኮይኑ’ሎ፡፡

ዋልታ ኣብ ቀጻሊ መካይን ናብ ምግጥጣም ከምዝኣቱ ኣማሓዳሪ እቲ ትካል ተዛሪቦም ኣለዉ፡፡

XS
SM
MD
LG