ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ጉጂ ንሓደ ዓመት ተቋሪጹ ዝጸንሓ ትምህርቲ ምጅማሩ ነበርቲን ኣመሓደርቲን ገሊጾም


ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ
ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጎጂ ብዝተላዕለ ህውከት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ሎሚ ዓመት ምጅማሩ ነበርትን ኣመሓደርትን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ 49 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ከምኡ`ውን ብርክት ዝበለ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጹ ምጽንሑ`ውን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

ንድሕነቱ ክብል ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሓደ መምህር ንድምጺ ኣመሪካ ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ንሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ንተመሃሮ ከም ዝጎደኦምን ሕጂ ድማ እቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፈራረሰ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ካልእ ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ጸገም ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ተመዝጊቦም ዘለዉ ተመሃሮ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ንታሕቲ ምዃኖም ተጠቒሱ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG