ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቃት ፋኖን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ጎንፂ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ኣብ ዝርከባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዝወረደን ከቢድ ጉድኣት ከምዝተዓፅዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ቆልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዅሮም ምንባሮምን ተገሊፁ።
ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲ’ቲ ዞባ ኣቶ ጌታሁን ፈንቴ ኣብ ዞባ ምብራቅ ጎጃም ልዕሊ 400-ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶምን ብሰንኪ’ቲ ዝተወለዓ ጎንፂ ከኣ ልዕሊ 500-ኣብያተ ትምህርቲ ካብ መስርሕ ምምሃር ቦኺረን ምንባረን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።
ብሰንኪ’ዚ ከኣ ልዕሊ 600-ሽሕ ቆልዑ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዘይተመለሱን ንዓመታት ትምህርቶም ንክጅምሩ ምስቲ ሕብረተሰብ ብምዃን ወፍሪ ይካየድ ምህላው ወሲኾም ሓቢሮም።
ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተማሃሮን መማህራንን ብወገኖም ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ዝነበሩ ተማሃሮ ንዝተፈለለየ ማሕበራዊ ቅልውላው ተቃሊዖም ምንባሮም ተዛሪቦም።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝቐፀለ ጎንፂን ቅድሚኡ ብዝነበረ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 4,178 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅየን ምንባረን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ከኣ ኣስታት 300 ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከም ዝወረደን ካልኦት 350 ከኣ ኣገልግሎት ከምዘይሃባን ገሊፁ ኔሩ’ዩ።
ብመሰረት’ቲ ፀብፃብ ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ጎጃም ከምኡ’ውን ዞባታት ደቡብ ጎንደር ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 89% ዝኾና ተዓፅየን ከም ዝርከባን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ተማሃሮ’ቶም 35% ካብ ትምህርቲ በኵሮም ምህላዎምን ገሊጹ።
ቅጥዒ