ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣፍሪቃ ኣባል ጉጅለ-20 ክተከውን ከምዝድግፉ ገሊፆም


መራሒ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል ብቁጠባ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ20 ክተኸውን ከምዝድግፉ ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም።

"እዚ ነታ ኣህጉርን ንብዙሓት ሃገራትን ከምኡእውን ይውስኽ ንዘሎ ብዝሒ ህዝብን ካብ ዘለና ክብሪ ዝነቅል እዩ" ኢሎም። ሾልዝ ነዚ ዝበሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዘለው ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ሓሙስ ብኢትዮጵያ ብምጅማር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን'ዩ።

ሾልዝ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ኬኒያ ዊሊያም ሩቶ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

እቶም መራሒ ጀርመን ኣብ ኬንያ ምስ መዘናኦም ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሮም ንሕጋዊ ስደትን ምስፋሕ ናይ ስራሕ ዕድላትን ክትሰርሕ ምዃና ተዛሪቦም።

ኣብ ኬንያ ጽቡቕ መሰረትን ብዙሕ ክኢላ ዓቕሚ ሰብን ከም ዘሎ ዝገልጹ ሾልዝ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ኲናትን እቲ ተርእዮ ኣብ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘለዎ ኣሉታዊ ተራን’ውን ጠቒሶም።

XS
SM
MD
LG