ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን በብመዓልቱ 7,600 ቆልዑ ካብ መንበሪኦም ከምዝሃድሙ ሴቭ-ዘ-ችልድረን ገሊጹ


ኣብ ቻድ ዝርከቡ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ፋይል
ኣብ ቻድ ዝርከቡ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ፋይል

ኣብ ሱዳን አስታት 7600 ቆልዑ ካብ መንበሪኦም በብመዓልቱ ይስደዱ ከምዘለው ትካል ህጻናት ሴቭ ዘ ችልድረን ገሊጹ።

ሴቭ ዘ ችልድረን ወሲኹ ካብ ሸሞንተ ቆልዑ ሱዳን እቲ ሓደ፣ ህይወት ስቃይን ህውከትን ኣብ ምሕላፍ ከምዝርከብ ይጠቅስ።

ብዘይካ'ዚ፣ ቆልዑ ሱዳን ብሰንኪ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዝኾነ መጉዳእቲን ብርቱዕ ስነ ኣእምሮኣዊ ቅዛነትን ናብ ዕቁባ ዝረኽቡሉ ይሃድሙ ከምዘለውን ይሕብር።

23 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ሱዳን፣ 3-ሚልዮን ቆልዑ ናይ ምፍንቃል ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ስለዘሎ፣ ብበዝሒ ዝተፈናቀሉ ቆልዑ ካብ ዓለም ናይ መጀመርታ ተርታ ሒዛ ከምዘላ’ውን ጸብጻብ ሴቭ ዘ ችልድረን የርኢ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG