ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃለዋት እሱራት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ


ዛጊድ ክልተ ኢትዮጵያዊያን እሱራት ብሕፅረት ክንክን ሞይቶም

ኣብ ስዑድ ዓረብ ሳኣን መንበሪ ፈቃድ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ካብኡ ዝዋሓደን ዝተኣሰሩ 136 ኢትዮጵያውያን ቅድሚ ሕማቅ ምርኣይና ኣርክቡልና ይብሉ።

እቶም ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዝርከቡዎም እሱራት ኢትዮጵያውያን ኤምባሲኦም ገለ ውሱን ምንቅስቃስ ዝገበረ'ኻ እንተኾነ ካብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ንምፍታሕ ዝበለፀ ክገብር ፀዊዖም።

ብዘይካ'ዚ ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን፣እቲ ኣብ ገለ ሃገራት ዝተላዕለ ስምዒት ፀረ ስደተኛታ-ትሕቲ-ሳሃራ-ኣፍሪቃ ኣብ ስዑድ ዓረብ ከምዘይተከሰተ ኣጋይሽና ይገልፁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዕድያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ክልተ ብሰንኪ ሕፅረት ሕክምና ከምዝሞቱ ተገሊፁ'ሎ።

ነቲ ሙሉእ ቃለ-ምልልስ ኣብ ናይ ረቡዕ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እውን ክተድምፅዎ ትኽእሉ ኢኹም።

XS
SM
MD
LG