ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክዕዘባ ከተፍቕድ ምኳና ሓቢራ


ስዑዲ ዓረብ ከም አካል እቲ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምምዕባል ተኻይዶ ዘላ ጻዕርታት ደቂ ኣንስትዮ ዜጋታት ኣብ ሰለስተ ስታድዮማት እታ ሃገር ንዝኻየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክዕዘባ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚራ ከምተፍቕድ ምዃና ሓቢራ።

ዝሓለፈ ወርሒ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስታድዮም ርያድ ኣትየን ንሃገራዊ ጽንብል ስዑዲ ዓረብ ክኻፈላ ምፍቓዱ ይዝከር።

ብቕድሚ ትማሊ ካብ ሰበ ስልጣን ስፖርት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጸ መግለጺ ሰለስተ ስታድዮማት እታ ሃገር ርያድ፡ጅዳን ደማምን ኣብ 2018 ኣብ ዝኻየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንደቂ ኣንስትዮን ስድራቤታትን ንምዕንጋድ ይዳለዋ ኣለዋ ክብሉ ገሊጾም።

ኣቐዲማ ስዑዲ ዓረብ ካብ ወርሒ ሰነ ,2017 ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክዝውራ ዘፍቕድ ሕጊ ምውጽኣ ይዝከር።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG