ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ንስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ የኽብርዎ ኣለው ክብሉ መስኪሮም


ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ነቲ ንሓደ ሰሙን ክጸንሕ ዝተበጽሐ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ የኽብርዎ ከምዘለዉ መስኪሮም። እንተኾነ ኣብ ካርቱምን ዳርፉርን ሓሓሊፉ ተኹሲ ከም ዝስማዕ ጠቒሶም ኣለዉ።

እቲ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት'ታ ሃገርን፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ወሃቢ ቅልጡፍ ድጋፍን ኣብ መፍርቅ ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት፡ ዛጊት ብውሕዱ 863 ሲቪላት ከምዝቐተለን፡ ልዕሊ ሚልዮን ዝቁጸሩ ካብ መነባብርኦም ከምዘመዛበለን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

ሓባራዊ መግለጺ ኣውሓስቲ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ትማሊ ሓሙስ እቲ ዘሎ ሃዋህው ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ሱዳን መሰረታዊ ቀረባት ረድኤት ክባጻሕ ክኢሉ`ሎ ይብል። ኣብ ካርቱም`ውን ዝተቛረጸ ኣገልግሎታት ተለኮሚንኬሽን ንምጽጋን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዳሕራዋይ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተዘየኽቢሮም ምናልባት ማዕቀብ ከምዝጽበዮም ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ።

በዚ ግጭት ክልተ ሓይልታት ሱዳን ልዕሊ 300-ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ጥራሕ ልዕሊ 90-ሽሕ ሱዳናውያን ተሰዲዶም ከም ዘለዉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኮፍሩን ዝተባህለ ቁሸት ጫድ ተዓቑቦም ካብ መንጎ ዘለዉ ሱዳናውያን፡ ገሊኦም ስድርኦም ዝተቐተልዎምን ገሊኦም ድማ ኣባላት ስድርኦም ንድሕሪት ገዲፎም ዝመጹን ምዃኑ የዘንትዉ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንገለ ካብቶም ሱዳናውያን ካብቲ ሓደገኛ ዝኾነ ዶባት ናብ ዝያዳ ውሕስ ዝበለ ቦታ ከግዕዞም ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ`ሎ።

ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ብወገኑ፡ልዕሊ 1-ሚልየን ሱዳናውያን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ`ሎ።

ኣስታት 320-ሽሕ ዝኾኑ ድማ ናብ ግብጺ:ደቡብ ሱዳን: ጫድ: ኢትዮጵያ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ሊብያን ከምዝተሰደዱ ይግለጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG