ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተገሊጹ


ንጉስ ሳልማን ስዑዲ ዓረብ
ንጉስ ሳልማን ስዑዲ ዓረብ

ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ካብ ንጉስ እታ ሃገር ብዝተዋህበ ትእዛዝ ንልዑል ቢን ዓብደልዓዚዝ ቢን ሙስዓድ ቢን ስዑድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ልዑል ቢን ዓብዱዓልዓዚዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝአተወ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዓመጽ ክፍጽም ዘርእይ ቪድዮ ማህበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝግሑ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ ሓደ ሰብ ኣብ መኪና ኮፍ ኢሉ ይደምይ ፡ እቲ ልዑል ድማ ነዚ ሰብ ብዓውታ ድምጺ ክዛረቦ ይረአ።ኣብ ካልእ ቪድዮ ልዑል ቢን ዓብደልዓዚዝ ንሓደ ሰብ ክሓርም ይረአ እዚ ቪድዮታት ካብ ህዝቢ ብዘልዓሎ ተቓውሞ እቲ ልዑል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትውን ንምርመራ ክቐርብ ብንጉስ ሳልማን ምእዛዙ ይገልጹ።

ንጉስ ሳልማን ብተወሳኺ ዜጋታት እታ ሃገር በአባላት ንግስነት እታ ሃገር ኮነ ላዕለዋት ሓለፍቲ ንዘጋጠሞም ዓመጽ ክሕብሩ አተባቢዖም ኣለው።

ኣቐዲሙ አባላት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ፍሉይ አረኣእያ ክረኽቡ ዝጸንሑ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንዝፈጽምዎ በደል ኮነ ገበን ግቡእ መቕጻዕቲ ይረኽቡ ምህላዎም ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG