ሚንስተራት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ዓረብ ኢማራትስ፡ባህሬንን ግብጽን ብዛዕባ’ቲ ምስ ቐጠር ዘሎ ውጥረት ንምምይያጥ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ካይሮ ተአኺቦም።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሃናጺ ልዝባት ክግበር ንምጽዋዕ ናይ ግብጺ መዘነኦም ትማሊ ስልኪ ከምዝደወልሎም ተገሊጹ’ሎ።
ቐጠር ኣርባዕተ ጎረባብታ ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ዞባ ንግብረ ሽበራ ትድግፍ’ያ ብዝብል ዲፕሎማሲያዊ ርክበን በቲኸን። ቐጠር ግን ነዚ ክሲ ኣትሪራ ትነጽግ። ነዚ ኩነታት ከብቕዕ ንምግባር ጎረባብታ ንቐጠር ቅድመ ኩነት ኣቅሪበን።
እተን ሃገራት ዝሓለፈ ወርሒ ንምምሕያሽ ንቡር ዝምድና ቐጠር በዓል 13 ነጥቢ ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ ፡ ቐጠር ሓሲባ ምላሽ ክትህበሉ ናይ 10 መዓልታት ዕድል ምሃበን ይዝከር። እቲ ሰነ 22,2017 ዓ.ም ዝወጸ በዓል 13 ነጥቢ ቅድመ ኩነት: ካብ ቐጠር ንዝተሓተተ መልሲ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተዋህቦ ናይ 10 መዓልቲ ዕድል ድሕሪ ምብቅዑ: ብመንጎኝነት ሃገረ ኩወይት ተወሳኺ ን48 ሰዓታት ክናዋሕ ከምዝተገብረ’ውን ተጠቒሱ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ 10 መዓልታት ዕድልን ድሕሪኡ ዝተናውሐ ናይ 48 ሰዓታት ዕድልን - ቐጠር ነቲ ዝተዋህባ ቅድመ ኩነት ክትቕበል ዝገበረ ኣይነበረን።
ነዚ ብዝምልከት’ዩ እምበኣር እቶም ኣርባዕተ ሚኒስተራት ሃገራት ዓረብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ካይሮ ርእሰ ከተማ ግብጺ ተረኺቦም ነቲ ብቐጠር ዝተዋህበ መልሲ ድሕሪ ምርኣይ በቲ ዝተዋህበ መልሲ ዘይዕጉብነቶም ዝገለጹ። ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ቐጠር ነቲ ብሙስሊም ብራዘርሁድ ዝተሃህለ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ደገፋ ከተቋርጽን ንመደበር ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ድማ ክትዓጽውን ዝጽውዕ ቅድመ ኩነት ከምዝተቐበለት ገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ስምሕ ሽኩሪ ነዚ ኣመልኪቱ ድሕሪ’ቲ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ቐጠር ትርጉም የብሉን ኢሉ።
እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺኦም ዋላኳ ድሕሪቲ ካብ ቐጠር ዝተዋህበ መልሲ እቲ ቅልውላው ምዕራጉ እንተዘይጠቐሱ፥ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ኣድላይ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።
ስዑድ ዓረብ ትኹን ኣብ ልዕሊ ቐጠር እገዳ ዘንበራ መሻርኽታ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ’ዩ ኣብ መጻኢ ክውሰድ ብወግዒ ኣይገለጻን። ይኹን እምበር እቲ ስጉምቲ: ኣብ ልዕሊ ቐጠር ቁጠባዊ ሃስያ ዘውርድ ተወሳኺ እገዳ ከይኮነ ከምዘይተርፍ’ዩ ተሓቢሩ። እታ ሃገር ኣቐዲሙ ንዝነበራ ናይ ርግእቲ ቁጠባዊ መዐቀኒ: በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ናብ ኣሉታዊ ደረጃ ምውራድ ክኸውን ከምዝኽእልውን ተጠቒሱ ይርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሚኒስትር ወጻኢ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራህማን አል ታኒ ኣብ ለንደን ንሰማዕቲ ከምዝበልዎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን መጉዓዝያን ምስ ቐጠር ምብታኽ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ጸረ ቐጠር ስምዒት ምፍጣር’ዩ ኢሎም።
ጎረባብቲ ቐጠር እታ ሃገር ዜጋታት ብውልቒ ንጥሩፍ ጉጅለታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንዳሃቡ ርእያ ከምዘይረአየት ትኸውን አላ ይብላ።
ሚንስተር ወጻኢ ባህሬንው’ን ንግብረ ሽበራ ተዓቑብ ዝኾነት ሃገር ተመሳሳሊ ውግዘት ከጋጥማ’ዩ ይብሉ።
ምዕራባዊያን ሃገራት እዚ ኩነታት ነቲ ድሮ ህወከት ዘለዎ ዞባ ዘይምርግጋእ ከይወሰድን ፕረዝደንት ትራምፕ ድማ ኩሎም ኣብቲ ጉዳይ ዘለው ወገናት ንግብረ ሽበራ ምቅላስ ቃል ዝአተው ምኳኖም ብምዝኽካር ቃሎም ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለው።