ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ዘንበሮ ምዕጻው ሓገዝ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ የመናዊያን ክሞቱ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ ሓገዝ ወሃባቲ ትካላት ኣጠንቒቆም

  • ቪኦኤ ዜና
  • ምንያ ኣፈወርቂ

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ብዝነበሮ ምዕጻው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ የመናዊያን ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት የጠንቕቁ።

እቲ ንደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ዝዋጋእ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ንየመን ብኹሉ መዳያት ኣየር፡ባሕርን ምድርን ዝኾነ ነገር ከይአትው ዓጽዩ ከምዘሎን እዚ ድማ ሞት ሚልዮናት ሰባት ከስዕብ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ወሃቢት ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብዛዕባ’ዚ ዘባህር ኩነታት ብፍላይ ቆልዑ ብዝምልከት ትሰርሓሉ’ላ ኢለን።

“ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብቀረባ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንሰርሓሉ ከምዘለና ክነግረኩም እኽእል’የ። ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ጽቡቕ ርክብ አለና’ዩ ስለዚ ዝሓሸ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝብል ነተባብዖም አለና ኢለን።”

ቆልዑ ሰነ ጥበባዊያን ኹሉ ወደባት ተኸፊቱ ሰብኣዊ ረድኤት የመን ንኽኣትው ሶኑይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ይፍለጥ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝተኻየደ ለውጢ መሪሕነት

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG