ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ የመን ዘካይዶ ውግእ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ


ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ምስ ናይ የመን ዓመፅቲ ሑቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሓ ኹናት ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሓሳብ መሰረት ንክልተ ሰሙናት ቶኽሲ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሓሳብ ዘቕረበ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ካሜሩን፣ሊቢያ፣ደቡብ ሱዳን፣ሶሪያን ዩክሬይንን ሓዊሱ ግጭት ኣብ ዝካየደለን ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርከቡ ተዋጋእቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ድልየት ምርኣዮም ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ኣስታት 90,000 በፂሑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG